Newcomer Services

መደብ ምክልኻል ግጭት ስድራቤት

መግለጺ መደብ

እቲ መደብ ንስድራቤታዊ፣ ዘቤታዊ፣ ጾታ መሰረት ዝገበረን/ወይ ናይ ቀረባ መጻምድቲ ዓመጽ፣ ናይ ዝምድና ጸገማት፣ ግህሰትን ስንባደን ዘጋጥመን ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮን ስድራቤተንን ሞያዊ፣ ባህላዊ-ተሃዋሲ ምኽሪ ይህብ።

ዝርዝር መደብ

  • ብባህሊ- ተሃዋሲ ውልቃዊ፣ መጻምድትን ስድራቤታዊ ምኽሪ
  • ስምዒታዊ ደገፍ ንዓማዊል
  • ዓውደ መጽናዕትታትን ደገፍቲ ጉጅለታትን
  • ሪፈራልን ምጉስጓስን ሃፍቲ ማሕበረሰብ
  • ህጹጽ ደገፍ ኣባይቲ

ብቑዓት ዓማዊል

እቲ መደብ ንኹለን ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ፡ ደቂ ተባዕትዮን ስድራቤተንን፡ ዕድሚኦም 14 ዓመትን ልዕሊኡን፡ ኩነታት ኢሚግሬሽን ብዘየገድስ፡ ዝቐርብ እዩ።

ተወሳኺ ሓበሬታ መደብ

  • እቲ መደብ ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ፡ መጻምድተንን ስድራቤተንን ይሕግዝ
  • ኣብ ጉዳይ ስድራቤታዊ ግጭትን ዘቤታዊ ዓመጽን ባህላዊ-ተሃዋሲ ሓገዝ ንህብ
  • ዓማዊል ኣድላዪ እንተኾይኑ ብቐዳማይ ቋንቋኦም ደገፍ ይረኽቡ
  • ናብ ካልኦት ፕሮግራማት CIWA ሪፈራል ምግባር ዓማዊል ተወሳኺ ናይ ደገፍ ኣገልግሎታት ንኽረኽቡ ይሕግዞም
  • ዓማዊልን መሻርኽቶምን ብኣተዓባብያን ርእሰ-ምትእምማንን ደገፍ ይረኽቡ
  • እቲ መደብ ኣብ ማሕበረሰባዊ ቦታታት እዩ ዝቐርብ
  • ምስጢር ዓሚል ኩሉ ግዜ ይሕሎ
  • ክንክን ህጻናት ኣሎ (ገደባት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም)
  • ናይ ቀዳማይ ቋንቋ ደገፍ ኣሎ።

ምሸት ወይ ኣብ ሰሙን መወዳእታ ሓገዝ ምስ እትደልዩ ብኽብረትኩም ደውሉ፤

  • ማእከል ጭንቀት። (403) 266-4357
  • ህጹጽ መዕቆቢ ደቂ ኣንስትዮ ካልጋሪ (403) 234-7233
  • Sheriff King Home (403) 266-0707
  • ኣገልግሎት ፖሊስ ካልጋሪ ህጹጽ ዘይኮነ (403) 266-1234
  • ህጹጽ ኣገልግሎት ፖሊስ ካልጋሪ 911

ንዝያዳ ሓበሬታ ብኢመይል፤ familycounselling@ciwa-online.com

ብ ዝምወል፤

IRRC logo
መደብ ምክልኻል ግጭት ስድራቤት