Newcomer Services

ናይ ምኽሪ ደገፍ ንስድራቤታት ስደተኛታት (ቸስተርሚር)

መግለጺ መደብ

እዚ መደብ ምስ ከተማ ቸስተርሚር ብምትሕብባር ንነበርቲ ቸስተርሚር ብባህሊ ተሃዋሲ ዝኾነ ናይ ምኽሪ ደገፍ ይህብ። እቲ መደብ ኣብ ዙርያ ብድሆታት ዝምድና ደጋፊ ምኽሪ ይህብ፣ ኣብ ኣተዓባብያን ስግረ-ባህላዊ ጉዳያትን ሓገዝ፣ ዘቤታዊ ዓመጽን ግርጭትን፣ ጭንቀት፣ ምሕደራ ጭንቀትን ጸቕጥን ካልእን ይህብ።

ዝርዝር መደብ

  • ብባህሊ- ተሃዋሲ ውልቃዊ፣ መጻምድትን ስድራቤታዊ ምኽሪ
  • ስምዒታዊ ደገፍ ንዓማዊል
  • ዓውደ መጽናዕትታትን ደገፍቲ ጉጅለታትን
  • ሪፈራልን ምጉስጓስን ሃፍቲ ማሕበረሰብ
  • ኣገልግሎት ኣብ ቸስተርሚር ይወሃብ
    • ሰሉስን ሓሙስን፡ ካብ ሰዓት 8፡30 ንግሆ – 4፡30 ድሕሪ ቀትሪ
    • ገዛ ሲነርጂ – 340 Merganser Dr W, Chestermere

ብቑዓት ዓማዊል

እቲ መደብ ንኹለን ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ፡ ደቂ ተባዕትዮን ስድራቤተንን፡ ዕድሚኦም 14 ዓመትን ልዕሊኡን፡ ኩነታት ኢሚግሬሽን ብዘየገድስ፡ ዝቐርብ እዩ።

ተወሳኺ ሓበሬታ መደብ

  • እቲ መደብ ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ፡ መጻምድተንን ስድራቤተንን ይሕግዝ
  • ዓማዊል ኣድላዪ እንተኾይኑ ብቐዳማይ ቋንቋኦም ደገፍ ይረኽቡ
  • ናብ ካልኦት ፕሮግራማት CIWA ሪፈራል ምግባር ዓማዊል ተወሳኺ ናይ ደገፍ ኣገልግሎታት ንኽረኽቡ ይሕግዞም
  • ምስጢር ዓሚል ኩሉ ግዜ ይሕሎ

ምሸት ወይ ኣብ ሰሙን መወዳእታ ሓገዝ ምስ እትደልዩ ብኽብረትኩም ደውሉ፤

  • ማእከል ጭንቀት (403) 266-4357

ንዝያዳ ሓበሬታ ብኢመይል፤ chestermerecounselling@ciwa-online.com

ብ ዝምወል፤

ናይ ምኽሪ ደገፍ ንስድራቤታት ስደተኛታት (ቸስተርሚር)

ብምትሕብባር ምስ፤

ናይ ምኽሪ ደገፍ ንስድራቤታት ስደተኛታት (ቸስተርሚር)